Abi-Adi General Hospital main gate
Access to healthcare

ኢትዮጵያ፦ ሆስፒታል ዓብይ ዓዲ ቀስብቀስ ካብቲ ናይ ዂናት ፅልዋ ስለዝደሓነ ኤምኤስኤፍ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ኣረኪቡ ኣሎ

“ክፍሊ ሃንደበታዊ ሕክምና ብምሕጋዝ ጀሚርና ድሕሪኡ ድማ ናይ ህፃናት ሕክምና ፣ ፅኑዕ 

ክንክን ናፅላን ኣዴታትን ንገብርነይርና። እዚ እቲ ሆስፒታል እኹል ጓንት ኣብ  ዘይነበረሉን ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ሕክምና ይሞትሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ።“ ይብል ሙሉጌታ ኣብርሃ ሓላፊ ጉጅለ ነርሲንግ ዶብ ኣልቦ  ሓካይም (ኤም ኤስ ኤፍ) ኣብ  ዓብይ  ዓዲ  ፣  ክልል  ትግራይ ኢትዮጵያ። 

ዶብ ኣልቦ ሓካይም /ሜዲስንስ ሳንስ ፍሮንቲርስ (ኤምኤስኤፍ) ድሕሪ ኣብ  ትግራይ  ዝነበረ   ዂናት ምጅማሩ ክሳዕ ኣብ 14 ሰነ 2021 ዝተፈጠረ ዘሕዝን ፍፃመ ፤ መሳርሕትና ቴድሮስ  ገብረማሪያም ገብረሚካኤል፣ ማሪያ ሀርናንዴዝ ማትስን ዮሃንስ ሓለፎም ረዳን ብጭካነ  ዝተቐተልሉ ዕለት ናይ ሕክምና ድጋፍ እናሃበ ፀኒሑ እዩ። ካብ ትግራይድሕሪ ምውፃኡ መጋቢት 2023 ኤምኤስኤፍ እቲ በቲ ዂናት ብጥልቀት ዝተጎድአ ናይ ትግራይ  ናይ  ስርዓት  ሓለዋ  ጥዕና  ዳግም  ምቁቛምን  ንምድጋፍ  ተመሊሱ መፅዩ እዩ። ድሕሪ  ልዕሊ  ሓደ  ዓመት  ናይ  እቲ  ሆስፒታል  ዓቕሚ  ብምውሳኹን ናይቲ ዝቐረበ ጥዕና  ክንክን ኣብ ዝድለ ደረጃ ብምብፅሑን ኤምኤስኤፍ ንጥፈታቱ  ብዕለት  15 ነሓሰ  2024  ወዲኡ ይርከብ። ካብ ሐዚ ንድሓር ኤምኤስኤፍ ካብዚ ንላዕሊ ናይ ጥዕና  ግልጋሎትን  ሓገዛትን  ዝደልዩ ካልኦት ቦታታት ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ እዩ። 

ናይቲ ዂናት ፅዕንቶ ኣብ ተበፃሓይነትግልጋሎት ጥዕና 

ከተማ ዓብዩ ዓዲ ኣብ ማእኸላይ ዞባ ክልልትግራይ እትርከብ ኮይና ብዙሕ ህዝቢ ዝሓቖፈት ከተማ   እያ። እዛ ኸተማ በቲ ዂናት ብመሪር ዝተፀለወት እያ።  እዚ  ክልተ  ዓመት  ዝወደአ  ዂናት ማለት እውን ዓብዩ ሰብኣዊ ጥሕሰት፣ ሰፊሕ ስርቆትን ብዙሕ ሰብ ዘፈናቐለን  ኮይኑ  ዳርጋ ኹሎም ትካላት ጥዕና ንኽዓንዋ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ኬላታት ጥዕና ሕክምናዊ ኣቕርቦት፣  ናይ ሕክምና ናውቲን ናይ ጥዕና  ሰራሕተኛታትን  ስኢነን  እየን።  መብዛሕተኦም  ሰራሕተኛታት እውን መሃያኦም ኣይተኸፈሎምን ነይሩ ። ሓፈሻዊ ሆስፒታል  ዓብዩ  ዓዲ   ዳርጋ  እውን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ስርሑ ጠጠው ኢሉ ፀኒሑእዩ። 

Abi-Adi General Hospital - Waste Management area
Abi Adi General Hospital waste management area - March, 2024: MSF Rehabilitate the laundry, waste zone, surgical and medical wards of the hospital. ​
Andrea  Monrás/MSF

ተበፃሓይነትሕክምና ስነ ኣእምሮን ስነ ልቦናን ን ማሕበረሰብ ዓብዪ ዓድን ከባቢኡን 

ብርሃነ ስዩም ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ አብ ኤምኤስኤፍ ናይ ስነ  ኣእምሮ  ሕክምና  ሓላፊ  ኮይኑ ዝሰርሕ ከምዝገለፆ ኣብቲ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ምስራሕ  እንትጅምር  እቶም  ተመዛበልቲ  ዝሰተ  ማይ እውን ኣይነበሮምን ይብል። እዚ  ማሕበረ ሰብ  ካብ  ዂናት  ዝወፀ  ማሕበረሰብ  እዩ።  ማይን ምግብን እንድሕር ዘይቀሪቡለሎም ኣብ  ናይ  ስነ  ኣእምሮዊ  ሕክምና  ብዕምቆት  ክንሰርሕ ኣይንኽእልን። ቀፂሉ  ብርሃነ  ስዩም_  ናይ  ስነ  ኣእምሮዊ  ሕክምና  ክፍሊ  ሓላፊ  ኣብ  ዶብ አልቦሓካይም  ኣብ ዓብዪ ዓዲ፡ “ ኣብ ልሳኑ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ቀረብ  ማይ  ንኽህሉ ናይ  ምክርኻር ስራሕቲ ሰሪሕና፣ ምስ ኣሳኻዕናዮ እውን እቲ  ማሕበረሰብ  ኣብ  ኣኼባና  እንዳመፁ  ከመስግኑና ጀሚሮም እዮም። ኣነ  በቲ አብቲ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ብዝሪኦን ዝሰምዖንሕጉስ  ኣይኮኩን  ህይወተ  ሰብ  ንኽድሕን  ምግባረይ  ግን  ኹርዓት ይስመዓኒ። ኣብቲ ማሕበረሰብ ንዝፍጠር ነገር ግን ንቀፃሊ ብጣዕሚ  እዩ  ዘተሓሳስበኒ።  ናይ  ስነ ኣእምሮ ሕክምና ፀገም ብጣዕሚ ኣብ ዘተሓሳስብ ኹነታት እዩ ኽበፅሕ። 

ብርሃነ ኣብ ናይ ዓብዩ ዓዲ ዝነበረ ፕሮጀክት ተመክሩኡ እንትቕፅል፡ “ ድሕሪ  እቲ  ኲናት ምጅማሩ ብጣዕማኢ እየ ዝቑጣዕን ነገራት ዘፅልኡንን ነይሮም።  ኣብዚ ሐዚ ሰዓት  ኣብቲ ናይ  ሓደጋ ክፍሊ በቢ ሰሙኑ ኣስታት ሰለስተ ዝኾኑ ወገናት ናይ ዓርሰ ቅትለት ፈተነ ገይሮም ይመፁና። ብጣዕሚ ከም ዝተጎድኡን ንዓዶም ክኸዱ ከም ዝነበሮምን ይዛረቡ ምኽንያቱ ምግቢ ሕፅረት ኣለዎም፣ ብዙሓት ቤተሰቦም ዝሰኣኑን ሕማቕ ዝርኣዩን ኣለው።” 

ብርሃነ ካብ ጥዕና ሚንስተርን (ኤምኦኤች) ኤምኤስኤፍን ዝመፁ ኣብቲ ሆስፒታል ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት  ናይ ስነ ኣእምሮ ሕክምና ስልጠናታት ይህብ። ዋና ዕላምኡ ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሕድሕድ ሰራሕተኛታት ምልዕዓላት ምውሳኽ፣ ኣብ ሕድሕድ ሓለዋ ጥዕና ናይ ስነ ኣእምሮዊ ሕክምና ምሕዋሱ ክንደየናይ ጠቓሚ ምዃኑ ምዝኽኻርን  ኤምኤስኤፍ  ካብቲ ሆስፒታል ድሕሪ ምውፅኡ ቀፃልነት ንኽህልዎ  ምርግጋፅን  እዩ።  “  ኣብ  ናይ  ክፍሊ  ስነ ኣእምሮዊ ሕክምና ኣወንታዊ ዝኾኑ ሓሳባት ንጥቀም። ኣብ  ሆስፒታልና አብ እነካይዶም ስልጠናታት  ኣወንታዊ ዝኾኑ ሓሳባት ምስ ዶክተራት፣ ጥዕና  መኮነናት፣  ንወሃብቲ  ግልጋሎትን  ከምኡ  እውን  ምስ ናይ ፅሬት ሰራሕተኛታት፣ ዋርድያታትን ናይ ሎጂስቲክ ሰራሕተኛታትን ከመይ ከም እንጥቀም ንመያየጥ። ምኽንያቱ ዶክተር በይኑ ኩላህና ሰሪሕና ክነሳኽዖ ንኸእል ነገር ክሰርሕ ኣይኽእልን። 

ደም ምልጋስ ሂወት ምድሓን 

ካሊእ ዓብዪን ሂወት ሰብ ከድሕን ዝኽእልን ስራሕ ካብ ጉንበት 2023 ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 2024  ኣብ ዓብዪ ዓዲ እንዳተሰርሐ ዝመፀ  ናይ  ደም  ምልጋስ  ጎስጛስ  እንትኾን  ምስ  አኽሱም  ባንኪ ደም ብምኻንብሓባር ተሰሪሑ። 

ትግራይ ከም መብዛሕቲኦም ከባብታትኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ተተሓሓዝቲ  ነገራት  ናይ  መሐለውታ   ደም ሕፅረት ዝተጠቐዐት  እያ።  ካብቲ ዝእከብ ደም ክሳብ  50  ሚኢታዊ  ዝኸውን  ካብ  ቤት  ትምህርትን ኮለጃትን ይእከቡ። ኣብ ኲናት ዘጥቀዖም ከባብታት እቲ ዞባ መብዛሕቲኦም ቤት ትምህርቲታት ተዓፅዮም እዮም። ብኡ ምኽንያት ድማ ዋና ናይ ደም መለገሲ ምንጭታት ቀኒሶም ፀኒሖም። ሳዕቤናት ኲናት ትግራይን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያን ኣብያተ ሕክምናታት ካብ ስራሕ ነፃ ገይርወን እዩ። ደም ምእካብ፣ ከይድታትን ምስርጫውን ብጣዕሚ ኣፀጋሚ እዩ። 

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብያተ ሕክምና ብምዕናዎም  ምኽንያትን  ከባቢ  ውሑስ  ብዘይ  ምዃኑን ደም ዘድልየንደቂ  ኣነስትዮ  ደንጒየን  ኣብ  ሆስፒታል  ይበፅሓ።  በዚ  ምኽንያት  ድማ  ናይ  ደም ናይ ምስርጫው ተግባራት ይተኣጛጎል። 

ካሊእ ኸዓ ናብ ዋና ደም መዋህለሊ ደም ምልላስን ናብቲ  ብዙሕ  ደም  ዘድልዮ  ቦታ ንምውሳድን ኣፀጋሚ ዝኾነና ተራእዩ ዘይፈለጥ  ናይ  ሕማም  ዓሶ  ምስፍሕፋሕ  እዩ።  ኣኔምያ ዋና ናይ ምስፍሕፋሕ ሕማም ዋና ብምዃኑ እውን  እዩ።  ናይ  ኢትዮጵያ  ሕክምና  ክላስተር ብዘውፀኦ መሰረት ካብ ጥሪ ክሳብ  ሰነ  2024  ዘሎ  እዋን  ካብ ካልእ ጊዜንልዕሊ  ኣብ  መላእ  እታ  ሃገር  3 ሚልዮን ሰባት ብሕማም ዓሶ ተታሒዞም እዮም። 

ደም ናይ ምልጋስ ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ተሳትፎ ኣብ ምውሳኽን ኤምኤስኤፍ ታሪኽ ዘይርሰዖ ምስ መናእሰይ  መራሕቲ  ሕብረተሰብን  አብ ቤት  ትምህርቲ  ክለብ  ብምኽፋትን  ዓብይ  ታሪኽ  ሰሪሑ እዩ። እዚ  ታሪኽ  እውን  እቲ  ሕብረተሰብ  ደም  ብምልጋስ  ናይ  ምግላልን  ከይብሉንን  ዝብል ሓሳብ ንኸቋርፅን ካሊእ ሰብ ንኽሳተፍ ኸተባብዕን ኣኽኢሉዎ እዩ። ናይ ሓባር ፃዕሮም ድማ ከባቢ 

517 ዩኒት ደም ንኽልገስን ን525 ወገናት ሂወት ክድሕንን ኽኢሉ እዩ። 

MSF mobilized blood donation campaign in Abi-Adi, Tigray Ethiopia, June 2024.
MSF mobilized blood donation campaign in Abi-Adi, Tigray Ethiopia, June 2024. MSF in collaboration with Axum Blood Bank and Abiy Adi General Hospital, has been doing the blood donation campaign once a month, since May 2023.
Metasebia Teshome/MSF

ቀፃሊ ዝኾነ ሕውየት ሓለዋ ጥዕና ኣብ ዓብዪ ዓዲ 

“ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓብዪ ዓዲ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ወርሒታት ሕሙማን መብዛሕቲኦም ግልጋሎታት ናብ ዝረኽብሉ ደረጃ ደጊሙ ብምብፅሑን ብምሕዋዩን ንሕና  ብጣዕሚ  ሓጎስ ይስመዐና። ኣብ ጎኒ ጥዕና ሚንስተር ኮይና ኣብ ዝሰራሕናሉ እዋን ኣብቲ ማሕበረሰብ ንኽስራሕ ዝተተለሙ ንጥፈታት ከም ጉባኤታት ምስ ናይ ውሽጢ ተፈናቐልቲ ብዛዕባ ናይ  ስነ  ኣእምሮ ሕክማናን ጉስጎሳ ደም ምልጋስን ከምኡ  እውን  ናይ  ኤምኦኤች  ሰራሕተኛታት  ዓቕሚ  አብ ምዕባይን ተግባራት እንዳሰራሕና ፀኒሕና ኢና። 

እቶም እንዳሓገዝናዮም ዝፀናሕና ንጥፈታት ንኽቕፅሉን ካብኡ  ንላእሊ  ንናይ  ዓብዪ  ዓዲ ማሕበረሰብ ብሓፈሻ  ድማ  ናይ  ትግራይ  ድልየታት  ከማልኡ  ተስፋ  ነገብር  ይብላ  ናይ ኤምኤስኤፍ ምክትል ሓላፊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዝኾና ፕሩ ኮክለይ። 

ኤምኤስኤፍ ንትግራይ ሓዊሱ  ኣብ  ዓፋር፣  ኦሮምያ፣  ኣምሓራ፣  ጋምቤላ፣  ደቡብ  ኢትዮጵያን ሶማሊ  ክልልን  ስርሑ  ከምዝቕፅልን  ከምኡ  እውን  ኣብ  ዝተፈላለዩ  ኸባብታት  እታ  ሃገር ስራሕተታት ክነላምድን ከም ድንገት ሓማማት ዝበሉ ምላሽ ኣብ ምሃብን ክንቅፅል ኢና። ---------- 

------------------ 

ኣብ 24 ሰነ 2021 መሳርሕትና ዝኾኑ ማርያ ሄርናንዴዝ ማታስ፣ ቴድሮስ  ገ/ማርያም ገ/ሚካኤልን ዮሃንስ ሓለፎም ረዳን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝህብሉ ግዜን ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ሰራሕተኛታት ምኻኖም እንድተፈለጡ ብጭካነ ኣብ ትግራይ  ተቐቲሎም።  ኣብቲ  መዓልቲ ኣብቶም መሳርሕትና እንታይ ከምዝተፈጠረ ንምፍላጥ ምስ ሰበስለጣናትኢትዮጵያ ምዝርራባት እንኳ እንተገበርና ሐዚ እውን ጭቡጥ ዝኾነ መልሲ ኣይተወሃበናን። ኤምኤስኤፍ ናይ መሳርሕትና ሞት ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኹሎም  ኣገደስቲ  ኽያዶታት ክገብርን ወፃኢታት ክሽፍንን ተሓታትነት ክህሉ ክሰርሕ እዩ። ምስዚ ድማ እዚ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ስራሕትታት ንዝሰርሑ   ደሕንነት ኣብ ምሕላውን ዓብዪ ተራ ኣለዎ ኢልና ተስፋ ንገብር። 

 

Up Next
Access to medicines
Article 16 August 2024